ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ቅርሺ ንተመዛበልቲ -ካብ ርያድ…

መቐለ 28 ጥቅምቲ 2011(ድምፂ ወያነ) ኣባላት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ርያድ ንተመዛበልቲ ወገናት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ቅርሺ ኣተኣኻኺቦም።

እቶም ኣባላት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዕለት 9 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ርያድ ኣብዘካየድም መድረኽ መተኣኻኸቢ ሓገዝ ሓደ ሚልዮንን 55ሽሕን ቅርሺ ብምእካብ ናብ ባንኪ ሒሳብ ቢሮ ጉዳይ ማሕበራውን ሰራሕተኛን ኣታዊ ጌሮም ኣለዉ።

እቲ መድረኽ መተኣኻኸቢ እቶት ወገን ቑርፂ እዋን ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተኻየደ ኮይኑ ንቐፃሊ እውን ተመዛበልቲ ወገናት እግሪ ክሳብ ዝተኽሉ ዝከኣለና ሓገዝ ክንገብር ኢና ክብሉ ወገናውነቶም ኣረጋጊፆም።