ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ህፃናት ኣብ ውትድርና ኣይሳተፉን ኢላ ኣፍጋኒስታን…

መቐለ 30 መስከረም 2011(ድወት) ኣፍጋኒስታን ህፃናት ዜጋታታ ናብ ወታሃደራዊ ዕስክርና ከይኸዱ ንምክልኻል ከምእትሰርሕ ገሊፃ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብርክት ዝበሉ ትሕቲ ዕድመ ህፃናት ብጉጅለ ታሊባን ኣቢሎም ይዕጠቑ ከምዘለዉ ፀብፃባት ይገልፁ።

ብፍላይ ኣብ ክሊ 12 ዓመት ዝርከቡ ህፃናት ኣብ ልዕሊ ትካላትን ህዝቢ ዝተኣከብሎም ከባቢታትን መጥቓዕቲ ኣጥፊእኻ ምጥፋእ ይፍፅሙ ምህላዎም ተፈሊጡ።

ብምዃኑ ድማ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዕድመኦም ከይኣኸለ ከይዕስከሩን ናብዚ ተግባራት ከይኣትዉን ዘኽእል ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ።