ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ባንግላድሽ ን19 ሰባት ፍርዲ ሞት ኣመሓላሊፉ…

መቐለ 30 መስከረም 2011(ድወት) ቤት ፍርዲ ባንግላድሽ ምስ መጥቓዕቲ ግብረ ሽበራ ብዝተትሓሓዘ ን19 ሰባት ቅፅዓት ሞት በይኑ።

እቶም ነበር ሚኒስትራት እታ ሃገር ሓዊሱ ብሞት ዝተቐፅዑ 19 ሰባት ኣብ 2004ዓ.ም ፈረንጂ ንቐዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ኮይነን ዝሰርሓ ዘለዋ ሼክ ሓሰና ፈተነ ቅትለት ፈፂሞም ብዝብል እዩ።

መራሒ ተቋወምቲ እታ ሃገር ዝነበሩ ታሪቅ ራሕማን ድማ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተበይንሎም ኣሎ።

እቶም ሞት ፍርዲ ዝተወሰነሎም ሰባት ብማሕነቅቲ ክቅተሉ ዝተወሰነ ኮይኑ ኣብ 2004ዓ.ም ፈረንጂ ፈተና ቅትለት ምክያዶም ብምርግጋፁ ምዃኑ ተፈሊጡ።