ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ናብ ቱርኪ ኣምሪሖም

መቐለ 29 መስከረም 2011(ድወት) ፕረዝደንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ናብ ቱርኪ ኣመሪሖም።

ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ካልኦት ክልቲኣዊ ጉዳያት ዘተ ክገብሩ ትፅቢት ይግበር።

ሰብ ሃፍቲ ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ኢንቨስትመንት 2.5ቢልዮን ዶላር ዝግመት ካፒታል ኣውፊሮም ኣብ ስራሕ ከምዝርከቡ ሓበሬታት የመላክቱ።

ኣብ መወዳእታ 2017 ኣቖፃፅራ ፈረንጂ ዝወፀ ፀብፃብ ከምዘመላክቶ ድማ ኩባንያታት ቱርኪ ኣብ ኢትዮጰያ ንልዕሊ 30ሽሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠሩ እዩ።

ፕረዝደንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ቅድሚ ሐዚ ኣብ 2017 ኣቖፃፅራ ፈረንጂ ኣብ ቱርኪ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዘካየዱ ኮይኖም ፕረዝደንት ቱርኪ ሬሲፕ ጣይፕ ኤርዶጋን ድማ ኣብ 2015 ኣ.ፈረንጂ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ከምዝገበሩ ይፍለጥ።