ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ዶክተር ኣብይ ምስ ጉጅለ ልኡክ ስዑዲ ዘትዮም

መቐለ ነሓሰ 04/2010(ድወት)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስዑዲ ዓረብ ምስ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡክ ዘትዮም።

ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስዑዲ ዓረብ ኣደል ቢን ኣሕመድ ኣል ጁበይር ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ትማሊ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ እንትኾን ኣማስይኡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2ቲኣውን ቀጠናውን ጉዳያት ዘትዩ’ዩ።

ኢትዮጵያን ስዑዲ ዓረብን ኩለመዳይ ዝምድንአን ኣብ ዘጠናክራሉ ዛዕባ ከምኡ’ውን ኣብ ጉዳያት ኢንቨስትመንት ዘትዮም’ዮም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ከምዝበልዎ ኢትዮጵያን ስዑዲ ዓረብን ነዊሕ እዋን ዘቁፀረ ዝምድና ህዝቢ ንህዝቢ ኣብ ዝጠናኸረሉ ዛዕባ’ውን ዘተ ኣካይዶም።