ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድኣባላት ቤት ምኽሪ ዲያስፓራትረስት ፈንድ ሰይሞም

መቐለ ነሓሰ 03/2010(ድወት)ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቐረባ እዋን ዕላዊ ንዝኾነ ኢትዮጵያውያን ዲያስፓራ ትረስት ፈንድ ኣማኸርቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሰይሞም።

ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ዝሓሸት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዜግነታዊ ግቡኦም ንክፍፅሙ ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ቐሪቦም ብመሰረት ዝተዛረብዎ ቃል መሰረት ኣብ ቐረባ እዋን ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ሃገርና ንምቅላል ዝዓለመ ዲፓስፓራ ትረስት ፈንድ ዕላዊ ከምዝገብሩ ይፍለጥ።

ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ መዓልቲ ብውሕድ 1 ዶላር ኣሜሪካ ብምሕጋዝ ንዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ሓገዝ ንኽገብሩ ድማ ሕቶ ምቕራቦም ይዝከር።

ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ነዚ ዘማኽር ቤት ምኽሪ ዘጣየሹ ኮይኖም 15 ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ድማ ዕላዊ ጌሮም።

ብመሰረት እዚ ዶክተር ኣለማዩህ ገብረማርያም ኣቦወንበር ብምግባር ዶክተር ብስራት ኣክሊሉ፣ኣይተ ገብርኤል ንጋቱ፣ኣይተ ካሳሁን ከበደ፣ዶክተር ለማ ሰንበት፣ወ/ሮ ሉሊት እጅጉ፣ዶክተር መና ደምሴ፣ወ/ሮ ሚሚ ኣለማዩህ፣ኣይተ ሞኒሊክ ኣለሙ፣ኣይተ ኦባንግ ሜቶ፣ኣይተ ሮብሰን ኢታና፣ኣይተ ታማኝ በየነ፣ኣይተ ተሽታ ቱፋ፣ኣይተ ይሄኒው ዋለልኝን ኤልያስ ወንድሙን ኮይኖም ተመሪፆም ኣለው።