ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ብሄር ዝገበረ መጥቃዕቲ ትኩረት ይወሃቦ ተባሂሉ

መቐለ ነሓሰ 02/2010(ድወት)ኣብ ሃገርና ዝረአዩ ዘሎ ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንዝማሃሩ ወገናት ዓብይ ስግአት እናኾነ ይመፅእ ኣሎ ኢሎም ተምሃሮ ዝተፈላለያ ዩኒቨርስታት ነበርቲ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ።
እቶም ተምሃሮ ነዚ ዝሓበሩ ብደረጃ ወረዳ ኣቀባብላ እንኳዕ ዳሓን መፃእኹም እንትግበረሎም ኾይኑ:ብፍላይ ሐዚ ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝሓለፉ ተምሃሮ ዓብይ ፈተና ከይኾኖም መንግስቲ ፌደራል ይኹን መንግስቲ ክልል ትኹረት ክገብረሉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
ብቋንቋኻ ክትዛረብ ኣብ ዘይትኽእለሉን ባህልኻ ዘይተንፀባርቀሉን ኩነታት እናተፈጠረ እዩ ዝበሉ እቶም ተምሃሮ:ሃገርና እትኽተሎ ዘላ ናብ እንጠራጠረሉ ብርኪ ከም ዝብፃሕና ዘመላክት እዩ ክብሉ ድማ ተዛሪቦም።
እዚ ከምዚ እናሃለወ እቶም ተምሃሮ ኣብ ፋብሪካ ሽኾር ወልቃይት ዑደት ከምዘካየዱን ካብዚ ሰጊሩ ኣብ ስራሕቲ ክረምታዊ መደባት ክነጥፉ እናተገብረ ከምዝኾነ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን እታ ወረዳ ኣይተ ጎይቶኦም ጉዕሽ ኣመልኪቶም።