ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

እንግሊዝ ንኢትዮጵያ 35 ሚልዮን ዩሮ ሂባ

መቐለ ነሓሰ 02/2010(ድወት)እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓት ኣተኣኻክባ ግብሪ ብምምሕያሽ ድጋፍ ክትህብ ከምትደሊ ገሊፃ።

ኢትዮጵያ እተመዝግቦ ዘላ ቁጠባዊ ምዕባለ እንግሊዝ ክትድግፍ ከምትደሊ ዝገለፃ ሚኒስትር ዓለምለኸ ትካል ልምዓት እንግሊዝ ፔኒ ሞርዳውንት እንግሊዝ ነዚ ድጋፍ ዝውዕል 35 ሚልዮን ዩሮ ከም ዝለገሰት ድማ ገሊፀን።

ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ምዕባለ የመዝግባ ካብ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪካ ሓንቲ ምዃና ዝገለፃ እተን ሚኒስትር እዚ ቁጠባዊ ምዕባል ቀፃሊ ንምግባር ኣብ ስርዓት ኣተኣካኽባ ግብሪ ዘሎ ኣሰራርሓ ምድጋፍ ከም ዘድልዮ ገሊፀን።

እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓት ኣተኣኻኽባ ግብሪ ጥራይ ዘይኮነስ፤ኣብ ስራሕቲ ኢንቨስትመንትን ዝርግሐ መሰረተ ልምዓትን እውን ክትድግፍ ከም ትደሊ እየን እተን ሚኒስትር ገሊፀን።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 2017 ዓመተ ፈረንጂ ካብ ዝተፈላለዩ ለገስቲ ሃገራት ኣስታት 332 ሚልዮን ዩሮ ድጋፍ ከም ዝረኸበት ድማ ማዕኸን ዜና ኣካውንተንሲ ደይሊ ሓቢሩ።