ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ኤሲሲ ዝተብሃለ ኩባንያ ስምምዕነት ተፈራሪሙ

መቐለ 29 ሓምለ/2010(ድወት)ዓለምለኸ ቤት ምኽሪ ኣማኻሪ ኤርፓርት (ACC) ዝተብሃለ ኩባንያ ኣቬሽን ምስ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎ ስምምዕነት ከምዝተፈራረመ ተገሊፁ።

እቲ ኩባንያ ብዋናነት ኣብ ክራይ ኣውሮፕላን ኣመራርሓ መጓዓዝያ ኣየርን ምምዃርን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎት ዓውደ ኢንዳስትሪ ኣቬየሽን ዝፍለጥ ዓለምለኻዊ ትካል’ዩ።

እቲ ኩባንያ ብዝኣተዎ ውዕሊ መሰረት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኣውሮፓ ምስ ዘካይዶ ኣገልግሎት በረራ ዝተተሓሓዙ ተግባራት ብውክልና ከፈፅም’ዩ።

ብመሰረት እዚ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ከተማታት ሂትሮው፣ባርሴሎና፣ፓሪስ፣ፍራንክፈርት፣ብራስለስ፣ሚላንን ጀኔቫን ብኤር ባስ 350፣ባይንግ 787-8ን 787-9 ድሪም ላይነር ኣውሮፕላን ዝህቦ ኣገልግሎት በረራ እቲ ኩባንያ ወኪል ኮይኑ ከመሓድር’ዩ።

ብተመሳሳሊ ዜና መንገዲ ኣየር ህንዲ ምስ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተጓዓዝቲ ንምልውዋጥ ከምዝተለመ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ስምምዕነት መንገዲ ኣየር 2ቲኤን ሃገራት መንገዲ ኣየር ህንዲ ተጓዓዓዝቲ ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ገይሮም መስመር በረራ ኣየር ኣፍሪካ ምጥቓም ይኸኣሉ ዝብል’ዩ።

መንገዲ ኣየር ህንድን ኢትዮጵያን ብምትሕብባር ምስራሕ ዝጀመሩ ካብ 2011ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ምዃኑ ድማ ተገሊፁ።