ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ባሕቲ ሓምለ ግብሪ ምኽፋል ተጀሚሩ…

መቐለ ሓምለ 02/2010(ድወት)ሕብረተሰብ ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ግቡኡ ክፍፅም ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ኣገንዚቦም።

ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል መርሃ ግብሪ ምኽፋል ግብሪ 2011 ትማሊ ብዕሊ እንትጅምር ከምዝገለፅዎ ሕብረተሰብ ዝግባእ ግብሪ ብምኽፋል ልምዓት ሃገሩ ከቀላጥፍ ይግባእ።

ሕድሪ ሰማእታት ኣብ ሽትኡ ንክበፅሕ ሕብረተሰብ ግቡኡ ክፍፅም ይግባእ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ግብሪ ምኽፋል ድማ ካብቶም ግቡኣት ሕብረተሰብ ሓደ ምዃኑ ሓቢሮም።

ይኹን እምበር ሕብረተሰብ ግቡኡ እንትፍፅም ዘይተገብአ ፅዕንቶ ከይግበር ጥንቓቐ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።