ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ብዶክተር ኣረጋዊ ዝምራሕ ጉጅለ ኣመራርሓ ውድብ ዲሞክራሲያዊ ትሕብብር ትግራይ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ

መቐለ ሓምለ 01/2010(ድወት)ብዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ዝምራሕ ውድብ ዲሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

እቲ ኣቦወንበር እቲ ውድብ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ሓዊሱ ካልኦት ኣባላት እቲ ውድብ መኮነን ዘለለውን ግደይ ዘርኣፅዮንን ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ መንግስቲ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዘለው ፓለቲካዊ ውድባት ናብ ሃገሮም ክኣትው ብመሰረት ዘቅረቦ ፃውዒት’ዩ።

እቲ ጉጅለ ኣዲስ ኣበባ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስትን ኣቐባብላ ተጌርሉ።

ኣብቲ እዋን ኣቦወንበር እቲ ውድብ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ኣብዚ ሐዚ እዋን መንግስቲ ዝጀመሮም ስራሕቲ ከምዝድግፉ ገሊፆም ክብል FBC ፀብፂቡ።