ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ነበር ምክትል ፕረዝደንት ደቡብ ሱዳን ዳግም ናብ ስልጣኖም ክምለሱ’ዮም

መቐለ ሓምለ 01/2010(ድወት)ኣብ መንጎ ፕረዝደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲትን መራሒ ዓመፅቲ ደቡብ ሱዳን ዶክተር ሪክ ማቻርን ብዝተበፅሐ ስምምዕ ነበር ምክትል ዶክተር ሪክ ማቻር ዳግም ናብ ዝነበርዎ ስልጣን ክምለሱ ኣብ ስምምዕ በፂሖም።

ኣብታ ሃገር ዘሎ ፓለቲካዊ ቕልውላው ንምፍታሕ ፃዕሪ ዝገብሩ ዘለው ተናሓናሕቲ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ነዚ ንምዕዋት ድማ መራሒ ቐንዲ ተቋወምቲ ሓይልታት እታ ሃገር ዝኾኑን ነበር ምክትል ፕረዝደንትን ኣብ ስደት ዝርከቡ ሪክ ማቻር ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ካብ 4ተ ምክትላት ፕረዝደንት ሓደ ክኾኑ ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ ኣሎ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሱዳን ከምዝገለፆ ኣብ ሱዳን ካርቱም ብዝተበፅሐ ስምምዕ ክፍፍል ስልጣን ትማሊ ኣብ ዩጋንዳ ኮምፓላ ዝተራኸቡን ዝተዛተዩን ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ዝበፅሕዎ ስምምዕ ካብ 2013ዓ.ም ጀሚሩ ዝተወለዐ ኲናት ሕድሕድ ደቡብ ሱዳን ንምፍታሕ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት’ዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ካብ 4ተ ምክትላት ቀዳማይ ተፀዋዒ ምክትል ፕረዝደንት ክኾኑ ኣብ ስምምዕ ዝተበፅሐ 2ቲኦም መራሕቲ ብፕረዝደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን መዘነኦም ኡጋንዳዊ ዮወሪ መስቨኒን ዝተጀመረ ፃዕሪ ውፅኢት ከምዝተመዝገበሉ ተሓቢሩ ኣሎ።