ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ዘተ ኢትዮጵያን ግብፅን…

መቐለ ሰነ 06/2010(ድወት) ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ግብፂን ዝተኻየደ ዘተ ውፅኢታዊ ነይሩ ኢሎም ኢትዮጵያ ኣብ ግብፂ ኣምባሳደር ታያ አፅቀስላሴ።

ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዝደንት ግብፂ ኣብዱልፋታህ አልሲሲ ዘካየድዎ ኽልቲኣዊ ዘተ ዝፀንሑ ዘይምርድዳኣት ምፍታሕ ዝኽእልን ምትእምማን ዝፈጥርን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣብ ግብፂ ዘካየድዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ውፅኢታዊ ከምዝነበረ እዮም ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ዝገለፁ።

ብዓብዩ ኣብ ጉዳይ ፍትሓዊ ኣጠቓቅማ ማይ ኣባይ ኣድሂቦም ዝዘተዩ ኽልቲኦም መራሕቲ፣ ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ምትእስሳር መሰረተ-ልምዓት ኣድሂቦም ብርክት ዝበሉ ስምምዓት ፈፂሞም ኣለዉ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ።