ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ኣሜሪካን ሰሜን ኮርያን ዝተፈራረምኦ ዘተ ሰላም ስዒቡ ዝተፈላለያ ሃገራት ርኢቶታት እናሃባ ይርከባ።

ሩስያ፣ እስራኤል፣ ቻይና፣ ጃፓንን ኻልኦት ሃገራትን በዚ ስምምዕ ሕጉሳት ምዃነን ድሕሪ ምግላፅ ንተግባራዉነቱ ከምዝሕግዛ ገሊፀን።

ኢራን ብኣንፃሩ ኣሜሪካ ዝኣተወቶ ቃል ክትጠልም ስለ እትኽእል ሰሜን ኮርያ ጥንቃቀ ክትገብር ምዒዳ።

ቐንዲ መሓዛ ሰሜን ኮርያ ምዃና ዝንገረላ ቻይና ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዝተደንገጉ ማዕቀባት ብህፁፅ ክለዓሉ ፀዊዓ ኣላ።