ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ሃገራት እንግሊዝ፣ ፈረንሳይን ኣሜሪካን ንቕልውላው ሶርያ ተሓተቲ እየን…

መቐለ ሰነ 05/2010(ድወት) ሃገራት እንግሊዝ፣ ፈረንሳይ፣ ኣሜሪካን ኮርያ ማእኸል ዓውዲ ኲናት ንክትኸውንን ኣብ ቕልውላው ክትኣቱን ሓገዝ ዝገብራ ሃገራት ምዃነን ፕረዝደንት ሶርያ በሽር ኣልዓሳድ ገሊፆም።

እተን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ቕትለት ንዝፍፅሙ ሓይልታት ሓገዝ ብምሃብ ሶርያ ሰላምን ምርግጋዕን ከይትፈጥር ካብ ምግባር ብዝሰገረ እታ ሃገር ናብ ሕድሕድ ኲናት ብምእታው ዝወደቐት ሃገር ክትኸውን ዝለዓለ ኢድ ከምዘለወን ሓቢሮም።

ፕረዝደንት በሽር ኣልዓሳድ ምስ መፅሄት ሜይል ኣብ ዘካየድዎ ቓለ መጠይቕ እተን ሃገራት ዓለምለኻዊ ሕጊ ብምጥሓስ ንሉኣላውነት ህዝብን ሃገርን ከምዝጣሐሰ ሓቢሮም።

ሃገራት እንግሊዝን ፈረንሳይን ተለኣኣኽቲ ፖለቲካ ኣሜሪካ እየን ዝበሉ በሽር ኣልዓሳድ ተግባራት እተን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሶርያ ዝፍፀም ዘሎ ግልፂ ወራር ምዃኑ ሓቢሮም።

ቐንዲ ዕላማ እተን ሃገራት ድማ ኣብ ሶርያ ከም ድልየተን ዝዝውሮኦ ለውጢ ስርዓት ንምምስራት እዩ ክብሉ ገሊፆም።