ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

መንግስቲ ብመፅናዕቲ ተደጊፉ’ዩ ኣሳሊጥዎ

መቐለ ሰነ 02/2010(ድወት) መንግስቲ ብዛዕባ ትካላት ውልቀ ዘሕለፎ ውሳነ እኹል መፅናዕቲ ብምክያድ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዝፀንሑ ትካላት ልምዓት ናብ ውልቀ ትሕዝቶ ክሰጋገሩ ዝተወሰነሉ ምኽንያት ተጀሚሩ ዘሎ ቁጠባዊ ዕብየት ንምቅልጣፍን ኣጋጢምዎም ዘለው ቁጠባዊ ፀገማት ንምፍታሕን ምዃኑ ሚኒስትር ኮሚኒኬሽን ጉዳያት መንግስቲ ኣይተ ኣሕመድ ሸዴ ገሊፆም።

እዚ ውሳነ እኹል መፅናዕቲ ከምዝተኻየደሉን ብወገን መንግስቲ ኣድላይ ዝበሃል ዘተ ከምዝተገበረሉን ድማ ሓቢሮም።

ብተመሳሳሊ ፓሊሲ ልምዓታዊ መንግስቲ ኣብ ዝኽተላ ሃገራት ዘሎ ተሞክሮን ንዘጋጠመን ፀገማት ዝሃበኦ መፍትሒን መሰረት ተገይሩ ልምዲ ከምእተወሰደ’ውን ኣይተ ኣሕመድ ገሊፆም እዮም።

ኣብ ዝግበሩ ንግዳዊ ልውውጥን ምትሕልላፍ ዋንነትን መንግስቲ ዝለዓለ ብፅሒት ሒዙ ከምዝሰርሕን እዚ ድማ ምምሕያሽ ስርዓት ኣሰራርሓ እምበር ለውጢ ፓሊሲ ከምዘይኮነ ኣይተ ኣሕመድ ሓቢሮም እዮም።

እቶም ናብ ውልቀ ትሕዝቶ ዝመሓላለፉ ትካላት እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ከምዝህልውን ረብሓ ህዝቢ ዘረጋግፁ ከምዝኾኑን ተገሊፁ ኣሎ።