ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ሩስያ ኣብ ኣኼባ ጉጅለ 7 ክትሳተፍ ፀዊዖም ፕሬዝደንት ትራምፕ።

መቐለ ሰነ 02/2010(ድወት) ሩስያ ኣብ 2014 ዓመተ ረፈንጂ ብሰንኪ ጉዳይ ክሬምያ ካብ ኣባል ጉጅለ 8 ከም ዝተኣገደት ይፍለጥ።

ኮይኑ ግና ፕሬዝደንት ትራምፕ ኣብቲ ሎም ዝሳለጥ ኣኬባ ጉጅለ 7 ሩስያ ትሳተፍ ምዃና እዮም ሓቢሮም።

እቲ ሎም ዝሳለጥ ኣኼባ ጉጅለ 7 ኣብ ጉዳይ ሓዱሽ ታሪፍ ኣሜሪካ፤ውዕሊ ኑኩለር ኢራንን ለውጢ ኩነታት ኣየርን ክዝቲ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ካብ ኩሎም ንላዕሊ ግና ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ኣውሮፓን ቻይናን ኣንቢራቶ ዘላ ዋጋ ታሪፍ ዓብላሊ ኣጀንዳ ክኸውን ከም ዝኽእል ተገሚቱ ኣሎ።

ኮይኑ ግና ፕረዝደን ትራምፕ ኣብ ፈላማይ መዓልቲ ኣኼባ ብንምትራፍ ነቲ ኣጀንዳ ከምዘይዘተዩሉ ተገሊፁ ኣሎ።

እንግሊዝ፤ፈረንሳይ፤ጣልያን፤ኣሜሪካ፤ጀርመን፤ጃፓንን ካናዳን ኣባል ጉጅለ 7 ምዃነን ዝፍለጥ እዩ።