ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ሓሙሽተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ብጡረታ ተሰናቢቶም

መቐለ ግንቦት 07/2010(ድወት) ሓሙሽተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ብጡረታ ከዕርፉ ከምዝተገበረ ቤት ፅሕፈት ቐዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ተሃድሶ ዕዉት ንክኸዉንን ንጠለብ ለውጥን ልምዓትን ህዝቢ ግቡእ ምላሽ ንምሃብን ዝስራሕ ስራሕ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ዝሕግዙ ስጉምትታት ይዉሰዱ ከምዘለዉ ገሊፁ።

ካብቶም ዝዉሰዱ ዘለዉ ስጉምትታት ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዘካይድዎ ዘለዉ ለውጢ ካቢኔ ከምዝርከብዎ ገሊፁ።

እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ዝተፈላለዩ ትካላት መንግስቲ ብሓደሽቲ ሓለፍቲ ስራሕ ንክምርሑ ይገብሩ ኣለዉ ዝበለ እቲ ቤት ፅሕፈት ምስዚ ተተሓሒዙ ንብርክት ዝበሉ ዓማውቲ ኣብ ዝተፈላለየ ሓላፍነት ዘገልገሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እዉን ብጡረታ ከዕርፉ ይግበር ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ብጡረታ ከዕርፉ ካብ ዝተገበሩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፦

1. ኣይተ ስብሐት ነጋ- ዋና ዳይሬክተር ጀነራል ኢንስትቲዩት ርክብ ወፃእን ስትራተጂክ መፅናዕትን
2. ዶክተር ካሱ ኢላላ- ካብ ማእኸል መፅናዕትን ምርምርን ፖለሲ
3. ኣይተ በለጠ ታፈረ- ካብ ዝተዋደደ ኣጠቓቕማ መሬት፣ ፕሮጀክት ምድላው ትልምን ፖሊሲን
4. ኣይተ ታደሰ ሃይለ - ካብ ኣፈፃፅማን ክትትልን ፖሊሲን ትልምን ንግድን ኢንዱስትሪን
5. ኣይተ መኮንን ማንያዘዋል- ካብ ማእኸል ምርምር ፖሊሲ እንትኾኑ ኣብ ቐፃሊ እዉን ንነዊሕ እዋን ኣብ ሓላፍነት መንግስቲ ንዘገልገሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ብጡረታ ንከዕርፉ ዝተጀመረ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ።