ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ተመራመርቲ ጥዕና ኬንያ ሓዱሽ መድሓኒትን ክታበትን ሕማም ዓሶ ረኺቦም

መቐለ ሚያዝያ 07/2010(ድወት) ተመራመርቲ ኬንያ ኣብታ ሃገር ዝረአ ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ሓዱሽ መድሓኒትን ክትበትን ተግባራዊ ንምግባር ትልሚ ከምዘለዎም ገሊፆም፡፡

ኣብታ ሃገር ሕማም ዓሶ ብስፍሓት ኣብ ዝረኣየሎም ከባቢታት እቲ ሕማም ሙሉእ ብሙሉእ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ፃዕሪ ዝገብሩ ዘለው ተመራመርቲ ጥዕና ኬንያ ብዘካየድዎ ምርምር ሓዱሽ መድሓኒትን ክትበትን ከምዝረኸቡ ተገሊፁ፡፡

ዥንዋ ከምዝገለፆ ሕማም ዓሶ ኣብ ኬንያ እቲ ዝኸፍአ ብርክት ዝበሉ ወገናት ዘጥቕዕን ንሞት ዘቓልዕን ሕማም’ዩ፡፡

ብምዃኑ ነዚ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝተፈላለዩ መፅናዕትን ምርምርን ከካይዱ ዝፀንሑ ተመራመርቲ ጥዕና ኬንያ ዝሓሸ ውፅኢት ዝተረኸበሎም መድሓኒትን ክታበትን ብምርካቦም ኣብ ረብሓ ከምዘውዕልዎም ተገሊፁ፡፡

ይኹን’ምበር እቲ ዝተረኸበ መድሓኒትን ክታበትን ብውድብ ጥዕና ዓለም ፍቓድን ተቐባልነትን ምስ ረኸበ ናብ ዕዳጋን ኣብ ረብሓን ከምዝውዕል ተገሊፁ።