ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ሰብ ሃፍቲ ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ሃፍቶም ከወፍሩ እዮም…

መቐለ መጋቢት 04/2010(ድወት) ሰብ ሃፍቲ ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ተሳትፎ ኢንቨስትመንት ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢላ ቱርኪ።

ካብ ኣካዳሚ ዲፕሎማሲ ቱርኪ ዝመፁ ላዕለዎት ዲፕሎማት ኣብ ዓለምለኻዊ ርክባትን ተዛመድቲ ጉዳያትን ኣድሂቦም ንላዕለዎት ዲፕሎማትን ኣባላት ቤት ምኽሪን ኢትዮጵያ ስልጠና እናሃቡ እዮም።

ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ፌቱህ ኤሉሰይ፤ ኣብቲ ይወሃብ ኣብ ዘሎ ስልጠና ከምተዛረብዎ፤ ሰብ ሃፍቲ ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎም ተሳትፎ ንግድን ኢንቨስትመንት ንከዕብዩ ሃገሮም ተበረታትዕ እያ።

ኣበዚ ሐዚ አዋን ልዕሊ 2ቢልዮን ዶላር ካፒታል ዘመዝገቡ ሰበ ሃብቲ ኣብ ዝተፈላልዩ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ይሳተፉ ከምዘለዉ ዝገለፁ ኣምባሳደር ፌቱህ ኤሉሰይ፤ እዚኦም ድማ ንልዕሊ 30ሸሕ ኢትዮጵያውያን ድማ ዕድል ስራሕ ፈጠሮም ኣለዉ ኢሎም።

ኽልቲኤን ሃገራት ዘለወን ታሪኻዊ ርክብ ተጠቒመን ቑጠባዊ ምትእስሳረን ንምዕባይ ክሰርሓ ከምዘለወን ድማ ገሊፆም።

እቲ ኣካዳሚ ቅድሚ ሐዚ ን13 ኢትዮጵያውያን ዲፕሎማት ስልጠና ከምዝሃበ ካብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።