ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ወጥሪ መረፃ ኣሜሪካን ሩስያን

መቐለ መጋቢት 04/2010(ድወት) ሩስያ ኣብ መረፃ ኣሜሪካ 2016ን ኢድ ከምዘለዋ ዝገልፅ መረዳእታ ኣይረኸብናን ኢሎም ተወከልቲ ሪፓብሊካን፡፡

ቤት ምኽሪ ሪፓብሊካን ዘውፀኦ ሕበሬታ ከምዘመላኽቶ ኣብ ከይዲ ጎስጎስ ምረፁኒ ዶናልድ ትራምፕ 2016ን ክሪሞሊን’ውን ኢድ ነይርዎ ዝብል ክሲ ኣሜሪካውያን መረዳእታ ኣይተረኸበን፡፡

ነቲ ምርመራ ዝመርሑ ማይክ ኮናወይ ግና ኮሚቴ ቤት ምኽሪ ድሕንነትን ኤጀንሲ ድሕንነትን ኣሜሪካን ብሓባር ሩስያ ኣብቲ መረፃ ኢዳ ከምዝኣተወት ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሑ እዮም ዝገለፁ፡፡

ሪፓብሊካንስ ብወገኖም ሐዚ’ውን ብዛዕባ ኢድ ምእታው ሩስያ ዝገልፅ መረዳእታ ከምዘየለ እዮም ኣብ መደምደምታ በፂሖም ይብል ፀብፃብ ቢቢሲ፡፡