ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ዒራቓውያን ናብ ዓዶም ይምለሱ ኣለዉ

መቐለ መጋቢት 03/2010(ድወት) ልዕሊ 700 ሽሕ ዒራቓውያን ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብምኽንያት ዝነበረ ኲናት ልዕሊ 2.3 ሚልዮን ዒራቓውያን ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ።

ኮይኑ ግና ድሕሪ ምርግጋዕ እታ ሃገር ኣስታት 3.5 ሚልዮን ዝኣኽሉ ድማ ናብ ይነብርሉ ዝነበሩ ከባቢ ከምትመለሱ ዓለም ለኸ ጉዳያት ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሓቢሩ።

በዚ ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ 700 ሽሕ ዒራቓውያን ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ኮይኑ 26.7 ሚልዮን ዶላር ድማ የድሊ ኢሉ’ሎ እቲ ትካል።

እቲ ትማሊ ዝወፀ ፀብፃብ ከምዘመላኽቶ ኣብ ወርሒ ብማእኸላይ ኣስታት 100 ሽሕ ዝኣኽሉ ዒራቓውያን ብምክንያት ይፍጠር ዘሎ ምርግጋዕ ሰላም ናብ መበቆል ዓዶም ዝምለስሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ።

ካብቶም 2.3 ሚልዮን ኣብ ውሽጢ ዝተመዛበሉ ህዝብታት እቶም 631 ሽሕ ኣብ ውሽጢ መዕቖቢ ዝነብሩ ኮይኖም ፤ኣስታት 260 ሽሕ ዝኾኑ ድማ ንምግብን መፅለልን ካልእ ቀረብ መሰረተ ልምዓት ኣብ ዘይብሉ ኩነታት ከምዝረከቡ እቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ።