ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ብኽነት ማይ ኣብ ከተማ ካይሮ ግብፂ

መቐለ መጋቢት 03/2010(ድወት) ኣብ ከተማ ካይሮ ብመዓልቲ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኲቢክ ሜትር ማይ ከምዝባኽን መንግስቲ ግብፂ ኣፍሊጡ።

ዋና ከተማ ግብፂ ዝኾነት ካይሮ በቢ መዓልቱ ልዕሊ 1 ሚልዮን ኲቢክ ሜትር ማይ ጥንቃቐ ብዝጎደሎ ኣጠቓቕማ ብዘይ ዝኾነ ረብሓ ከምዝባኽን ኣማሓዳሪ ከተማ ካይሮ ኣቴፍ ዓብድል ሓሚድ ገሊፆም።

ኣብታ ከተማ ይረአ ንዘሎ ብኽነት ማይ ንምቁፅፃር ድማ ጥንኩር ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ከምዝሓሰበ ንማዕኸናት ዜና ውሸጢ ዓዲ እታ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣመልኪቶም።

ማይ ብኣግባቡ ምጠቃም ጉዳይ ሃገራዊ ድሕንነት ሃገሮም ምዃኑ’ዮም ገሊፆም።

ኣብ ካይሮ ዝረአ ዘሎ ብኽነት ማይ ምቁፅፃር ኣገዳሲ እዩ፤ ብዘይ ኣገባብ ልዕሊ ዓቐን ማይ ከባኽኑ ንዝተረኸቡ አካላት ጥንክር ዝበለ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ድማ ኣጠንቂቖ ኣማሓዳሪ እታ ከተማ ኣቴፍ ዓብድል ሓሚድ ።