ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ኢትዮጵያ 7 መጋቢት 2010ዓ.ም ከምዝጅምሩ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ

መቐለ ለካቲት 27/2010(ድወት) ኻልኣይ ዙርያ ግጥማት ፕሪመየር ሊግ ኢትዮጵያ 7 መጋቢት 2010ዓ.ም ከምዝጅምሩ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ዳይሬክተር ውድድርን መዘውተሪ ስፖርትን ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣይተ ሰለሞን ገብረስላሴ ንተሳተፍቲ ጋንታታት ደብዳቤ ከምዝለኣኹ ተሓቢሩ።

መበል 16 ሰሙን ግጥማት ፕሪመየር ሊግ ኢትዮጵያ 7 መጋቢት 2010ዓ.ም ስዓት 8:00 ኣብ ስታድዮም ኣዲስ ኣበባ ፋሲል ከተማ ምስ ወልዋሎ ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ብዘካይድኦ ግጥም ክጅመር እዩ።

ጋንታ ከተማ መቐለ ድማ ኣብ ሜድኣ ንኣርባምንጭ ከተማ ትገጥም እያ።

1 መጋቢት 2010ዓ.ም ናይ ቐዳማይ ዙርያ መወዳእታ ተመዓራራይ ግጥም ፕሪመየር ሊግ ኢትዮጵያ ወላይታ ድቻ ምስ ወልድያ ክራኸባ እየን።

1. ደደቢት…………………..…29
2. ጅማ ኣባጅፋር……....….25
3. መቐለ ከተማ ……………..25
4. ቅዱስ ጊዮርጊስ………..….23
5. ኣዳማ ከተማ……………….…23
12.ወልዋሎ ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ………….16