ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተሸሊሙ…

መቐለ ለካቲት 24/2010(ድወት) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣገዳሲ ሽልማት እዛ ኣህጉር ረኺቡ።

እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ዓውዲ ኣቬየሽን ብዘለዎ ብልጫ እዩ ካብ ኢንስቲትዩት ኣመራርሓ ስራሕ ኣፍሪካ ነቲ ሽልማት ዝረኸበ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ መንገዲ ኣየር ምስሊ ኣፍሪካውያን ንምቕያር ዝገበሮ ፃዕርን ኣብ ዓውዲ ኣቬየሽን ንዘርኣዮ ምዕቡል ኣሰራርሓን ናብዚ ሽልማት ክበቅዕ ከምዝኽኣለ ተገሊፁ።

ዳይሬክተር ጀነራል ኮሚቴ ኣመራርሓ ስራሕ ኣፍሪካ ስታንላይ ኦሆመን እቲ መንገዲ ኣየር ሙሉእ ዘይጉድል ኣገልግሎት ክህብ ብምኽኣሉን ሰብኣዊ ክብርታት ብምዕቃቡን እዚ ሽልማት ይግብኣ እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣካያዲት ስራሕ ጨንፈር ናይጀርያ ፍረሂወት መኮነን ብግዲኤን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ጉዕዞ 70 ዓመታት ድሌት ኣፍሪካውያን እናሰርሐ እዩ ኢለን።

እቲ መንገዲ ኣየር ንደቂ ኣንስትዮ ኣብረርቲን ኣመራርሓን ፍሉይ ትኹረት ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ድማ እተን ኣካያዲት ስራሕ ሓቢረን።