ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ፀገም ፕላን ከተማታት ኣብዚ ዓመት ክፍታሕ’ዩ

መቐለ ለካቲት 06/2010(ድወት) ኣብ 2010ዓ.ም ኣብ ከተማታት ንህዝቢ ዝለዓል ሕቶ ፕላን ከተማታት ንምስራሕን እቲ ፀገም ንምፍታሕን ይሰርሕ ከምዘሎ ቢሮ ልምዓት ከተማ፣ንግድን ኢንዳስትርን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ቢሮ ኣብ ዝለኣኸ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ ኣብዚ ዓመት እዚ 990 ገጠር ማእኸላት ዘመናዊ ስኬች ፕላን ን30 ዕሸል ከተማታት መሰረታዊ ፕላን ከምኡ’ውን ን6ተ ዓበይቲ ከተማታት ድማ ስትራተጂካዊ ፕላን ንምስራሕ ዓሊሙ እናተንቐሳቐሰ’ዩ፡፡

ብዜካ እዚ እቲ ቢሮ ንከተማ ዓዲግራት መዋቕራዊ ፕላን ንምድላው ኣብዚ ዓመት ዝሓዞ መደብ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

እቲ ቢሮ ነዞም ስራሕቲ ንምስራሕ ምስ ኣብ ክልልና ዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ትካላት መሰልጠኒ ቴክኒክን ሞያንን ውልቐ ኣማኸርትን ኢሉ’ውን ብናይቲ ቢሮ ሓይሊ ሰብን ዝስራሕ ምዃኑ ሓቢሩ፡፡