ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ገለ ከተማታት ኣገልግሎት መጓዓዝያን ንግድን ተቋሪፁ ውዒሉ

መቐለ ለካቲት 06/2010(ድወት) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝርከብ ከተማታት ትማሊ ኣገልግሎት መጓዓዝያን ትካላት ንግድን ከምዝተኣጓጎለ ተገሊፁ፡፡

EBC ኣብቲ ክልል ካብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ክፍላት ሕብረተሰብ ረኺበዮ ኢሉ ከምዘረጋገፆ ኣብ ከተማታት ኣምቦ፣ወለጋን መስመር ሃረርን ኣብ ዝርከቡ ከተማታት ከምኡ’ውን ኣብ ከተማታት ሻሸመኔ፣ጅማ፣ባሌ ሮቤን ጎባን መቱን ኢሉ’ውን ካልኦት ከተማታትን ኣገልግሎት መጓዓዝያን ንግድን ከምዝተቋረፁ ተሓቢሩ፡፡

ኣብዚ ጉዳይ ንመሰኻኽር ዓይኒ ፀሪሑ EBC ከምዝፀብፀቦ ድማ ኣብ ከተማታት ጎቤን ኣምቦን ብውሕዳት ዝተፈላለዩ ሕቶታት ዘልዕሉ መናእሰይ ዝተጀመረ እቲ ምቁራፅ ኣገልግሎት መጓዓዝያን ንግድን ምዕፃው መንገድን መኻይንን ከምዝነበረ ገሊፁ፡፡

ኣብዚ ጉዳይ ሓበሬታ ካብ መንግስቲ እቲ ክልል ንምርካብ EBC ዘካየዶ ፃዕሪ ዕውት ከምዘይነበረ ድማ ገሊፁ፡፡

ብካልእ ዜና ኣብ ክልል ሃረሪ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ሃማሪሳ ብቅድሚ ትማሊ ብዝተወለዐ ጎንፂ ሂወት ሰብ ከምዝጠፍአ ተሓቢሩ፡፡

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፓሊስ ሃረሪ ነሰረዲን ዓሊ ብቴለቪዥን ሃረሪ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ በቲ ዝተወልዐ ጎንፂ ሂወት 4 ሰባት እንትሞቱ ልዕሊ 150 ሚልዮን ቅርሺ ዝግመት ንብረት ከምዝዓነወ ገሊፆም፡፡

ብዜካ እዚ 10 ሰባት ጉድኣት እንትበፅሖም ካልኦት ኣባላት ፀጥታ’ውን ተመሳሳሊ ጉድኣት ከምዝበፅሖም ተገሊፁ፡፡

እቲ ዝተፈጠረ ህውከትን ዕግርግርን ሐዚ ናብ ሰለማዊ ኩነታት ከምዝተመለሰ ድማ ንምፍላጥ ተካኢሉ ኣሎ፡፡