ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ትምህርቲ ግሬስ ሙጋቤ ክፃረ እዩ ተባሂሉ…

መቐለ ጥሪ 02/2010(ድወት) ኤጀንሲ ፀረ-ግዕዝይና ዙምባብዌ ትምህርቲ ሳልሳይ ዲግሪ (ዶክትሬት) በዓልቲ ቤት ነበር ፕረዝደንት ሮበርት ሙጋቤ ከምዝምርምሮ ገሊፁ።

መምህራን ዩንቨርስቲ ዙምባብዌ ትምህርቲ ሳልሳይ ዲግሪ ግሬስ ሙጋቤ ክፍተሽ ፊርማ ኣተኣኻኺቦም ሕቶ ኣቕሪቦም እዮም።

ትምህርቲ ሳልሳይ ዲግሪ ኣብ ስራሕቲ ምርምር ብምንጣፍ ዓመታት ዝወስድ ከይዲ እናሃለወ ነበር ቐዳመይቲ እመቤት ዙምባብዌ ግሬስ ሙጋቤ ግን ኣብ 2014ዓ.ም ፈረንጂ ኣብ ኣዋርሕ እየን ዶክትሬት ዲግሪ ረኺበን።

ብስሩ’ውን ንመማልኢ ትምህርቲ ሳልሳይ ዲግሪ ዘካየድኦ መፅናዕቲ ዕላዊ ኣይተገበረን።

ኣማኸርቲ ሳልሳይ ዲግሪ እቲ ዩንቨርስቲ’ውን ብዛዕባ ርእሲ መፅናዕተን ከይዱን ውፅኢቱን ከምዘይረኣዩን ከምዘይስምዑን ብምሕባር እዚ ጉዳይ ክፃረ ሓቲቶም እዮም።

እዚ ሕቶ ቅድሚ ሐዚ’ውን ቐሪቡ ብግሬስ ሙጋቤ ግን ተነፂጉ እዩ።

ኤጀንሲ ፀረ-ግዕዝይና ድማ ነቲ ጉዳይ ከምዝምርምሮ ገሊፁ ኣሎ።