ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

2017ዓ.ም.ፈ ኣብ ዓውደ መጓዓዝያ ኣየር ድሕንነት ዝተሓለወ ዓመት ተባሂሉ

መቐለ ታሕሳስ 24/2010(ድወት) ዝሓለፈ 2017ዓ.ም.ፈ ኣብ ታሪኽ መጓዓዝያ ኣየር ድሕንነት ዝሓለወ ዓመት ኮይኑ ከምዝተመዝገበ ሓደ መፅናዕቲ ዕላዊ ጌሩ፡፡

ቱ 70 ዝተብሃለ ሆላንዳዊ ኣማካሪ ኢንዳስትሪ ኣቭየሽንን ዛ ኣቭየሽን ሴፍቲ ኔትዎርክን ዝተብሃሉ 2ተ ትካላት ዘካየድዎ መፅናዕቲ ከምዘመላኽት 2017ዓ.ም.ፈ ኣብ ታሪኽ መጓዓዝያ መንገዲ ኣየር ዓለም ድሕንነቱ ዝተሓለወ ዓመት ኮይኑ ተዛዚሙ ኣሎ፡፡

ከምሓበሬታ እቶም ትካላት ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዋላ ሓንቲ ነፋሪት መጓዓዝያ ተጓዓዝቲ ብደረጃ ዓለም ዘጋጠመ ሓደጋ ኣይነበረን፡፡

ይኹን’ምበር ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ዝበዝሐ በረራ ኣየር ዝተኻየደሉ ዓመት እዩ ተባሂሉ ኣሎ፡፡

ቱ ሰብዓ ዝተብሃለ ኣማኻሪ ትካል ግና ኣብ መጓዓዝያ ኣየር ውሱን ሓደጋ ምርኣይ ከምፅቡቕ ኣጋጣሚ ክኸውን ይኽእል’ዩ ንድሕንነት ተጓዓዝቲ ክብል ገሊፁ፡፡