ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ሃገራት ዓረብ ተወሳኺ እሴት ግብሪ ኣተኣታትየን

መቐለ ታሕሳስ 23/2010(ድወት) ኣብ ሃገራት ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስን ስዑድ ዓረብያን ተወሳኺ እሴት ግብሪ ንፈለማ እውን ከም ዝትኣታተወ ተገሊፁ።

ኣብ ዓበይት ሸቐጣትን ኣገልግሎትን ድማ 5 ምኢታዊ ቐረፅ ከም ዝተቐመጠ ተሓቢሩ።

ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንሰራሕተኛታት ወፃኢ ካብ ግብሪ ናፃ ብምግባር ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ወፃኢ ክስሕብ ከም ዝኽኣለ ይግለፅ።

ኾይኑ ግና መንግስታት እተን ሃገራት ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዘይቲ ነዳዲ ዋጋ ብምውሳኽ ኣታዊ ንምዕባይ ድሌት ከም ዘሕደሩ ተገሊፁ ኣሎ።

ካብ ሎሚ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ነዳዲ ዘይቲ፤መግብታት ክዳውንቲ ኣገልግሎት ሆቴልን ተወሳኺ እሴት ግብሪ ዝግበረሎም እንትኸውን ኣብ ገለገለ ኣገልግሎታት ማለት እውን ኣብ ሕክምና መጓዓዝያ ህዝብን ኣገልግሎት ፋይናንስን ተዋሳኺ እሴት ግብሪ ከም ዘይውሰኸሎም ተገሊፁ።