ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ኣብ ኣፍሪካ ዝረኣዩ ፀገማት ፀጥታ ንምፍታሕ ምትሕብባር መራሕቲ የድሊ

መቐለ ሕዳር 05/2010(ድወት) መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ኣፍሪካ ዝራአዩ ፀገማት ፀጥታ ንምፍታሕ ነኒባዕሎም ክተሓባበሩ ከምዝለዎም ፕረዝደንት ሩዋንዳ ፓውል ካጋሜ ገሊፆም፡፡

ፓውል ካጋሜ ኣብ መልእክቶም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ውሽጦም ብዝፈጥርዎ ፀገም ምትሕብባር ፀገም ፀጥታ ኣፍሪካ ንክዓቢ ምኽንያት ክኸውን ይክእል’ዩ፡፡

ፀገም ፀጥታ ብዙሐት መልክዓት ዝሓዘ’ዩ ዝበሉ ካጋሜ ካብ ፀገም ሰላምን ምርግጋዕን ሓዊሱ ክሳብ ዘይሕጋዊ ስደትን ኣፈላላይ ፓለቲካን ምዃኑ ሓቢሮም፡፡

ነዞም ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ፀገማት ኣህጉር ኣፍሪካ ንምፍታሕ ብሓባር ምስራሕ ወሳኒ’ዩ ኢሎም፡፡

ካጋሜ ኣብ ሰኔጋል ከተማ ዳካር ኣብ ዝተኸፈተ 4ይ ዓለምለኻዊ ፎረም ሰላምን ፀጥታን ኣፍሪካ ከምዝበልዎ ፀገማት ኣፍሪካ ንካልኦት ኣሕሊፍና ምሃብ እንተፈቐድና ፀገማት ኣፍሪካ እናዓበየ ይከይድ ክብሉ ድማ ገሊፆም፡፡

ሐዚ’ውን ኣፍሪካ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ስሉጥ ዕቤት ክትቕፅል መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ሓላፍነት ብምውሳድ ውፅኢታዊ ምትሕብባር ክህልዎም ይግባእ ክብሉ ድማ ኣመልኪቶም፡፡