ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ካብ ቡን 215 ሚልዮን ዶላር ተረኺቡ

መቐለ ጥቅምቲ 17/2010(ድወት) ኣብ ፈላማይ ርብዒ እዚ ዓመት ናብ ወፃኢ ካብ ዝተልኣኸ ምህርቲ ቡን 215 ሚልዮን ዶላር ተረኺቡ።

በዓል መዚ ልምዓት ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ ከም ዘፍለጦ ኣብዚ ርብዒ ዓመት ካብ ንወፃኢ ሰደድ ካብ ዝተገበረ ምህርቲ ቡን ኣስታት 215ሚልዮን ዶላር ከም ዝተረኸበ ሓቢሩ።

እቲ እቶት ናብ ወፃኢ ካብ ዝተልኣኸ 55 ሽሕን 825 ቶን ቡን ኮይኑ፤ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ሓለፋ 34 ሚልዮን ዶላር ከም ዘለዎ እቲ በዓል መዚ ገሊፁ።

ኢትዮጵያ ናብ ወፃኢ ሰደድ ካብ ትገብሮም ምህርታት፤ቡን 25 ምኢታዊ ብፅሒት ከም ዝሕዝ ዝሓበረ እቲ በዓል መዚ፤ኮይኑ ግን ካብቲ ዓውዲ ክትረኸቦ ዝግብኣ ረብሓ ኣብ ምርካብ ሐዚ እውን ዝትርፋ ነገር ከም ዘሎ ገሊፁ።

ኢትዮጵያ ዓለምና ካብ ዘለዋ ምህርቲ ቡን ሰደድ ካብ ዝገብራ ሓሙሽተ ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ሃገራት ሓንቲ ከም ዝግብራ ገሊፁ።

ኣብ በዓል መዚ ልምዓት ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ ዋና ዳይሬክተር ልምዓት ዕዳጋን ቁፅፅርን ኣይተ ሻፊ ዑመር፤ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝሐሸ ዕዳጋ ከም ዘሎን፤እዚ ድማ ዝተመሓየሹ ኣሰራርሓታት ብምትእትታው ዝተረኸበ ውፅኢት ምዃኑን ገሊፆም።

መፍረይቲ ቡን፤ብዘይ መራኸቢ ብቀጥታ ሰደድ ዝገብርሉ ኣሰራርሓ ብምዝርግሑ ተወዳዳራይነት ምዕባይ ከም ዝትኽኣለን ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 225 ቶን ምህርቲ ቡን ንወፃኢ ሰደድ ተገይሩ 882 ሚልዮን ዶላር ከም ዝተረኸበን፤ ኣብዚ በጀት ዓመት ኣስታት 270 ሽሕ ቶን ቡን ንወፃኢ ሰደድ ብምግባር 1.1 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ንምርካብ ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ከም ዘሎ እቲ በዓል መዚ ኣፍሊጡ።