ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ባንክታት ሱዳን ሓዋላ ገንዘብ ወፃኢ ጀሚረን…

መቐለ ጥቅምቲ 02/2010(ድወት) ባንክታት ሱዳን ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ንፈለማ እዋን ሓዋላ ገንዘብ ወፃኢ ዝተፈላለያ ሃገራት ከምዝጀመራ ተገሊፁ።

ድረ-ገፅ ኣፍሪካ ኒውስ ከምዝሓበሮ እቲ ሓዋላ ዝተጀመረ ሱዳን ብኣሜሪካ ተነቢሩላ ዝነበረ ማዕቐብ ቑጠባ ብምልዓሉ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ንፈለማ እዋን ሓዋላ ገንዘብ ወፃኢ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝጀመራ ባንክታት ሱዳን ብፍላይ ኣብ ምጥንኻር ንግድን ቑጠባን እታ ሃገር ዝለዓለ ግደ ከምዝህልዎ ማእኸላይ ባንኪ እታ ሃገር ገሊፁ።

እቲ ማእኸላይ ባንኪ ከምዝገለፆ ኽልተ ባንክታት ሱዳን ድሕሪ 20 ዓመታት ንፈለማ እዋን ዶላር ኣሜሪካ ብምቕባል ካብን ናብን ሓዋላ ጀሚረን ኣለዋ።

እቲ ብኣሜሪካ ተነቢሩ ዝፀንሐ ማዕቐብ ምልዓሉ ካርቱም ዳግም ናብ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ገንዘብ ብምእታው ተሃስዩ ዝፀንሐ ቑጠበኣን ዋሕዚ ኢንቨስትመንትን ንምጥንኻር ዕድል ዝፈጥር እዩ ክብሉ ድማ ተዓዘብቲ ይገልፁ።