ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

መስመር ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ሓለዋ የድልዮ::ኮርፐሬሽን ምድረ ባቡር ኢትዮጵያ

መቐለ ጥቅምቲ 02/2010(ድወት) ኣገልግሎት ድሕንነትን መስመር መጓዓዝያ መንገዲ ባቡር ኢትዮ-ጁቡቲ ንምሕላው ሕብረተሰብ ግቡኡ ክፍፅም ከምዘለዎ ኮርፐሬሽን ምድረ ባቡር ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ፡፡

እቲ ኮርፕሬሽን ኣብ ዙርያ ኣጀማምራ ኣገልግሎትን ቅድመ ምድላውን እቲ መንገዲ ባቡር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዘትዩ፡፡

ኣብቲ እዋን ተወካሊ ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኮርፕሬሽን ዶክተር ብርሃኑ በሻህ ከምዝበልዎ ብሃፍቲ ህዝቢ ዝተሰርሐ እቲ መንገዲ ባቡር ዝተሓሰበሉ ኣገልግሎት ንክህብን ድሕንነት ትራፊክ እቲ መጓዓዝያ ባቡር ንምሕላውን ሕብረተሰብ ልዑል ሓላፍነት ኣለዎ፡፡

ነዚ ድማ ኣብ ብብርኩ ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት፣ኣካላት ምምሕዳርን ፀጥታን ዝተውሃቦም ልዑል ሓላፍነት ክፍፅሙ ኣለዎ፡፡

ብምዃኑ መጓዓዝያ ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ዝህቦ ኣገልግሎት ንምቕልጣፍን ድሕንነት ትራፊክ ንምሕላውን ሕብረተሰብ ዝለዓለ ግደ ኣለዎ ኢሎም ዶክተር ብርሃኑ፡፡

ብፍላይ ኣብ የማናይን ፀጋማይን መስመር እቲ መጓዓዝያ ባቡር ዝርከቡ ከባቢታት ኦሮሚያ፣ኣምሓራ፣ዓፋር፣ድሬዳዋን ክልል ስማሌ ኢትዮጵያን ዝርከቡ ነበርቲ እቲ መንገዲ ባቡር ዝህቦ ግልጋሎት ንምቕልጣፍ ብፅሒቶም ክፍፅሙ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ካብ ሰበታ ሚኤስ፣ደዋሌ ዝተዘርገሐ መስመር መንገዲ ባቡር 665 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ’ዩ፡፡