ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

መረፃ ላይቤርያ ብሰላም ተዛዚሙ

መቐለ ጥቅምቲ 02/2010(ድወት) ኣብ ላይቤርያ ትማሊ ክካየድ ዝወዓለ መረፃ ብሰላማዊ መንገዲ ምዝዛሙ ተገሊፁ።

እቲ መረፃ ልክዕ ሰዓት 12 ኣጋግዘ ደው ዘበለ ኮይኑ፤ኮሚሽን ቦርድ መረፃ እታ ሃገር ድምፂ ናይ ምቑፃር ስነ-ስርዓት ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ መረፃ ነበር ተፃዋታይ ኩዕሶ እግሪ ጆርጅ ዊሃን፤ምክትል ፕሬዝደንት እታ ሃገር ጆሴፍ ቦኣኪን ብዝለዓለ ድምፂ ይመርሑ ምህላዎምን እውን ማዕኸን ሓበሬታ ኣልጀዚራ ገሊፁ።

ሙሉእ ድምፂ ምስተቖፀረ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ዕላዊ ተዓዋቲ ከምዘፍልጥ ኮሚሽን ቦርድ መረፃ ላይቤርያ ዕላዊ ዝገበረ ኾይኑ፤ፕሬዝደንት ኮይኑ ነታ ሃገር ዝመርሕ ሰብ 50 ምኢታዊ ድምፂ ክረክብ ከምዘለዎ ድማ ገሊፁ።

ኣብቲ መረፃ ንዝተሳተፉ ላይቤርያውያን ዘዘራረበ ኣልጀዚራ፤እቲ መረፃ ሰላማዊን ፍትሓዊን ምንባሩ ካብ ዜጋታት እታ ሃገር ሓበሬታ ምርካቡ ገሊፁ።