ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ፈላመይቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ታክሲ ኣብ ዱባይ…

መቐለ መስከረም 16/2010(ድወት) ኣብ ዓለም ፈላመይቲ ዝኾነት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ታክሲ ኣብ ዱባይ ፈተነ ኣካይዳ።

በዓል መዚ መንገድን መጓዓዝያን ዱባይ ኽልተ መቐመጢ ዘለዋ ኾይና ብመፍረዪ መካይን ቮሎኮፕተር ዝተምሃዘት ምዃና ዝገለፀ ኾይኑ ንኽትበርር በዓል ሙያ ከምዘየድልያ ሓቢሩ።

ድሕንነት ንምሕላው ብዘኽእል ኣገባብ ዝተሰርሐት ኾይና ብሓይሊ ኤሌክትሪክ እያ ትንቀሳቐስ።

እዛ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ታክሲ ኣብ ኣየር ን30 ደቓይቕ ትፀንሕ እንትኾን ኣብ ሰዓት 50ኪሎ ሜትር ድማ ትጉዓዝ።

እዚ፤መንግስቲ ምቾትን ጠለባትን ማሕበረሰብ ብምሕላው ዝሓሸ ኣገልግሎት ንምቕራብ ዕላማ ገይሩ ይሰርሕ ምህላዩ ዘመላኽት ምዃኑ ድማ ንጉስ ዱባይ ሸኽ ሃማዳን ቢን መሓመድ ቢል ራሺድ ኣል ማክቶም ተዛሪቦም።

ካብ ርብዒ ራብዓይ ዓመት 2017 ጀሚሩ ድማ ኣገልግሎት ክትህብ’ያ ድማ ኢሉ ኣሎ እቲ ኩባንያ። (ሲ.ጂ.ቲ.ኤን)