ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ዓቕሚ ኣመራርሓ ክዓቢ ኣለዎ ተባሂሉ…

መቐለ መስከረም 03/2010(ድወት) ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተመደቡ ኣምባሳደራት ዝተውሃቦም ሓላፍነት ብብቕዓት ክፍፅሙ ከምዝግባእ ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣተሓሳሲቦም።

ፀገማት ኽእለት፣ ፍልጠትን ኣረኣእያን እቲ ኣመራርሓ ንምፍታሕ ድማ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ትካላት ምርምርን ክንጥቀመሎም ይግባእ ኢሎም።

እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ምስ ኣመራርሓ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃእን መራሕቲ ልኡኻትን ዘትዮም።

ኢትዮጵያ ሐዚ ምስ ዘለዋ ብርኪ ዕብየት ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ክንድቲ ዝድለ ለውጢ ከምዘየምፀአት ዝገለፁ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብ ህንፀት ትካላት፣ ልምዓት ሓይሊ ሰብ፣ ክእለት ኣመራርሓ ክስርሑ ዝግብኦም ስራሕቲ ከምዘለው ኣመልኪቶም።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ሓይሊ ሰብ ዘሎ ፀገም ኣረኣእያ ብምፍታሕ ኹሉ ኣመራርሓ ኣብ ዝተመደበሉ ቦታን ዝተውሃቦ ሓላፍነትን ብኣግባቡ ክፍፅም ከምዘለዎ ኣይተ ሃይለማርያም ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ቀፃሊ ውሱንነት ክእለትን ፍልጠትን ኣመራርሓ ንምፍታሕሕ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ትካላት ምርምርን ዘሎ ዓቕሚ ንምጥቃም ዘኽእል ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ድማ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ገሊፁ።