ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ዘመናዊ ስርዓት መረዳእታ ሜትሮሎጂ ክህሉ ኣለዎ…

መቐለ መስከረም 03/2010(ድወት) ኣፍሪካ ብምኽንያት ለውጢ ኹነታት ኣየር ዝበፅሓ መጉዳእቲ ንምቁፅፃር ሳይንሳውን ዘተኣማምንን ስርዓት ሜትሮሎጅን ማይን ከምዘድልያ ኮሚሽን ቑጠባ ገጠርን ሕርሻን ሕብረት ኣፍሪካ ገሊፁ።

ጉባኤ ኣገልግሎት ሜትሮሎጅን ማይን ሚኒስትራት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ካብ 1970ዓ.ም.ፈረንጂ ጀሚሩ ትሕቲ ሰሃራ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪካ ለውጢ ኩነታት ኣየር ተዛሚዶም ዝመፁ 1ሽሕ ዝበፅሑ መጉዳእታት ከምዘጋጠሙወን ኣብቲ ጉባኤ ተገሊፁ።

ካብዚኦም 300 ዝፅግዑ ኣብቶም ዝሓለፉ 5ተ ዓመታት ዝተመዝገቡ ኾይኖም ብምኽንያት እዚ ፀገም መብዛሕትአን ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ድኽነት ከምዝርከባ እቲ ኮሚሽን ሓቢሩ።

ስለዝኾነ ድማ ኣፍሪካ ብምኽንያት ለውጢ ኩነታት ኣየር ዝገጥማ ጉድኣት ንምንካይን ኣቐዲማ ንምክልኻልን ኣብ ኣገልግሎት ሜትሮሎጅን ማይን ዘተኣማምን ስርዓት መረዳእታ ክትዝርግሕ ከምዘለዋ ኣመልኪቱ።

ሚኒስትር ማይ መስኖን ኤሌክትሪክን ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ ድማ ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣፍሪካ ንተመዝግቦ ዕብየት ይፈታተን ዘሎ ፀገም ምዃኑ ኣልዒሎም።

ኢትዮጵያ ካብዚ ፀገም ንምንጋፍ ብለውጢ ኹነታት ኣየር ዘይኽበስ ስትራቴጂ ሓምለዋይ ልምዓት ተግባራዊ ከምዝገበረትን ዘመናዊ ስርዓት መረዳእታ ማይን ሜትሮሎጅን ንምትግባር ትሰርሕ ከምዘላን ሓቢሮም።