ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ኽልተ ኣፍሪካውያን ተሸለምቲ ምግቢ ዓለም ኾይነን…

መቐለ መስከረም 03/2010(ድወት) ዓውዲ ሕርሻ ኣፍሪካ ለውጢ ከምፅእ ኣኽኢለን ዝተብሃላ ክልተ ኣፍሪካውያን ደቂ ኣንስትዮ ተሸለምቲ ሽልማት ምግቢ ኣፍሪካ 2017 ኾይነን።

ኬኒያዊት ፕሮፌሰር ሩት ኦኒንጎን ማላዊት መሃዚት ስራሕ ሚሞና ሲድቤን ኣብቲ ዓውዲ ለውጢ ክመፅእ ዝገበራ ደቂ ኣንስትዮን እየን ተባሂለን ኣለዋ።

ፕሮፌሰር ሩት ኦኒንጎ መስራቲት ኣካዳሚ ውሕስና ምግብን ስርዓት ኣመጋግባን ኬኒያ ኾይነን ኣብ ምዕባይ ኣመጋግባ፣ ሕርሻን ምግብን ኣፍሪካ ትኹረት ዝገብር ጋዜጣን ኣራሚት ትሕዝቶ (ኤዲተር)ን እየን።

ተሞክሮ ልዕሊ 10ዓመት ዘለወን ማላዊት ሚሞና ሲድቤ ድማ ወናኒት ፋሶ ካባ ዝተብሃለ ኩባኒያ ዘራእቲ ኾይነን ኣብ ማሊ ዘሎ ሕፅረት ምግቢ ንምፍታሕ ዝሕግዝ ትርፊ ምህርቲ ኣብ ምፍራይ ትኹረት ገይረን ይሰርሓ።

እዘን ክልተ ተዓወቲ ሽልማት ምግቢ ኣፍሪካ 643 ሕፁያት በሊፀን ዝተረኸባ ኾይነን ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ፕረዝደንት ዓለምለኸ ባንኪ ሓገዝ ልምዓት ሕርሻ ዶክተር ካናዮ ንዋንዜ ተዓዋቲ ነይሮም።

ብደረጃ ዓለም ፕረዝደንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ዶክተር ኣኪንዋሚ ኣዲሴና ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ተዓዋቲ ኾይኖም’ዮም። (ኣፍሪካ ኒውስ)