ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ሽኮር ናብ ወፃኢ ምልኣኽ ክጅመር እዩ…

መቐለ ጳጉሜን 04/2009(ድወት) ኣብዚ በጀት ዓመት ስራሕ ዝጅምሩ ፋብሪካታት ሽኮር ጠለብ ውሽጢ ዓዲ ብምምላእ ናብ ወፃኢ ንምልኣኽ ዓቕሚ ከምዝፈጥሩ ሚኒስቴር ትካላት ልምዓት መንግስቲ ገሊፁ።

ሚኒስትር እቲ ሚኒስቴር ዶክተር ግርማ ኣመንቴ ከምዝበልዎ ኣብዚ በጀት ዓመት ጠለብ ሽኮር ውሽጢ ዓዲ ብምምላእ ብቐዋምነት ናብ ወፃኡ ምልኣኽ ክጅመር እዩ ኢሎም።

መንግስቲ ካብ 2008ዓ.ም ጀሚሩ ሽኮር ናብ ወፃኢ ንምልኣኽ ይሰርሕ ዋላ’ኳ እንተነበረ ብዝተፈጠረ ፀገም ምውዳድ ንዝሓለፉ ኽልተ ዓመታት ምዕዋት ከምዘይትኽኣለ ተዛሪቦም።

እቲ ምዝንጋዕ ዝተፈጠረ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝሳለጡ ህንፀት ፋብሪካ፣ ኣብ ልምዓት መስኖን ቓንጫ ሽኮርን ስራሕቲ መሰረተ-ልምዓት ብዝተዋደደ መንገዲ ብዘይምስርሑን እቲ ሓደ ብእዋኑ እንትዛዘም እቲ ኻልእ ብምዝንግዑ እዩ ኢሎም።

እቲ ፀገም ንምፍታሕ ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን እቶም ፋብሪካታት ተዋዲዶም ክሰርሕሉ ዝኽእሉ ፍኖተ ካርታ ከምዝተዳለወ እቶም ሚኒስትር ገሊፆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኽልተ ፋብሪካታት ኦሞ ኩራዝ ተዛዚሞም ሙሉእ ንሙሉእ ሽኮር ምፍራይ ንምጅማር ከምዝተዳለዉ ዝገለፁ ዶክተር ግርማ ፋብሪካ ሽኮር ትንዳሆ ድማ ስራሕቲ ልምዓት ቓንጫ ሽኮር ብምዝዛሙ ኣብ ቐፃሊ ወርሒ ጥቅምቲ ምፍራይ ክጅምር እዩ ኢሎም።

ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 300ሽሕ ቶን ሽኮር ናብ ውሽጢ ዓዲ ከምዝኣተወ ብምግላፅ ኣብዚ ዓመት ክኣቱ ካብ ዝተትሓዘ መጠን ሽኮር ናብ 50ሽሕ ቶን ከምዝተሓተ ድማ ኣመልኪቶም።