ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ማሕበራዊ ድረ ገፃት ፍልፍል ዜናታት ኣሜሪካውያን…

መቐለ ጳጉሜን 04/2009(ድወት) ኣብዝሓ ኣሜሪካውያን እዋናዊ ሓበሬታ ዝረኽቡ ካብ ማሕበራዊ ድረ-ገፃት ከምዝኾነ ማእኸል መፅናዕቲ ፒው ሓቢሩ።

እቲ ማእኸል መፅናዕቲ ዕላዊ ዝገበሮ ዳህሳስ ከምዘመላኽቶ 67ሚኢታዊ ዜናታት ዝከታተሉ ሰባት ማሕበራዊ ድረ-ገፃት ፌስቡክ፣ ትዊተርን ካልኦትን ከምዝጥቀሙ ሓቢሩ።

እዚኦም ልዕሊ 50ዓመት ዕድሚኦም እንትኾኑ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝነበረ 45ሚኢታዊ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ድረ ገፃት ኣብዚ ዓመት 55ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ኣመልኪቱ።

ማሕበራዊ ድረ ገፅ ፌስቡክ ቐዳማይ ምንጪ ዜና እቶም ተጠቀምቲ ኾይኑ ከምዝቐፀለ ዝገለፀ ማእኸል መፅናዕቲ ፒው ትዊተርን ዩ-ቲዩብን ስዒቦም ኣብዝሓ ተጠቀምቲ ዘለዎም’ዮም።

ትዊተር ንጡፍ ተጠቃሚ ካብ ዝኾኑ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ተጠቃሚ ሰዓብቲ ይኸውን ምህላዩ’ዩ እቲ መፅናዕቲ ዝገልፅ። (ሮይተርስ)