ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ሕብረተሰብ ምርመራ ክገብር እቲ ቤት ፅሕፈት ፀዊዑ…

መቐለ ጳጉሜን 03/2009(ድወት) ሕብረተሰብ ምርመራ ኤች.ኣይ.ቪ ኣካል ትልሚ እዚ ሓዱሽ ዓመት ክገብሮ ፃውዒት ቐሪቡ።

ቤት ፅሕፈት ምቑፅፃርን ምክልኻልን ኤች.ኣይ.ቪ ኤድስ ፌደራል 5 ጳጉሜን 2009ዓ.ም መርሃ ግብሪ ኣገልግሎት ምርመራን ማዕዳን ኤች.ኣይ.ቪ ከምዘካይድ ኣፍሊጡ።

ሕብረተሰብ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ብሩህን ጥዕንዑ ዝተሓለወ ዕውት ዘመን ንክህልዎ ምርመራ ኤች.ኣይ.ቪ ኣብ ትልሙ ከካትቶ ከምዝግባእ እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ።

በቲ ሕማም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ኽፋላት ሕብረተሰብ ትኹረት ብምሃብ ናብ ኣገልግሎትን ማዕዳን ክመፁ ዕላማ እቲ መርሃ ግብሪ እዩ።

ኣብ በጀት ዓመት 2010ዓ.ም እቲ ቤት ፅሕፈት 14.7ሚልዮን ሰባት ምርመራ ኤች.ኣይ.ቪ ንኽካየድ ድማ ተሊሙ ይሰርሕ ኣለኹ ኢሉ እቲ ቤት ፅሕፈት ።

እቲ መርሃ ግብሪ ብሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና ዝዳሎ ኮይኑ “ኤች.ኣይ.ቪ ኤድስ ኣብ ደሞም ዘለዎም ወገናት ስድርኦም የመርምሩ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክሳለጥ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርግሐ ኤች.ኣይ.ቪ 1.2ሚኢታዊ እንትኸውን በቢዓመቱ 27ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተሓዙ መረዳእታ እቲ ቤት ፅሕፈት የመላኽት።